warning image

Personal: Det är just nu tekniska problem med visningen av Nuläges-statistiken i Indra-Analys. 

ከመይ ጌርካ ተመልክት

  • ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ስቶክሆልም ካውንቲ ግነስታ ወይ ሃቦ ትነብር እንተሃሊኻ፡ ብመንገዲ እቲ ብኢንተርነት ዝግበር መመልከቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናይ መእተዊ ውልቃዊ ሓበሬታታት ብፖስታ ክለኣኸልካ እዩ።
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትነብር እንተሃሊኻን ኣብ ዞባ ስቶክሆልም፡ ወይ ኣብ ምምሕዳራት ግነስታ ወይ ሃቦ ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ከተመልክት ምስ እትደሊን፡ ብመንገዲ እቲ ብኢንተርነት ዝግበር መመልከቲ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናይ መእተዊ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ስምካ፡ ውልቃዊ ቁጽሪ መንነትካ (ወይ ዕለት ልደትካ)ን ናይ ኢመይል ኣድራሻኻን ናብ gymnasieantagningen@storsthlm.se ስደድ።
  • ኣብ መዝገብ ህዝቢ ዝተመዝገበ ኣድራሻ ገዛኻ ካብ ኣውራጃ ስቶክሆልም ወይ ካብ ምምሕዳራት ግነስታን ሃቦን ወጻኢ እንተኾይኑ፡ ምስቲ ዝተመዝገብካሉ ምምሕዳር ርክብ ንዘለዎ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ከተዘራርብ ኣለካ።

    እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዝቐርብ፡ መመልከቲ ቅጥዒ ብእንግሊዝኛ እንተድኣ ኣድልዩካ ብኢ-መይል ክንሰደልካ ኢና። ንናይ ምእታው ሕቶኻ ውጽኢት ንምርኣይ ስለዘድልየካ ናይ መእተዊ ሓበሬታኻ ምዕቃብካ ኣረጋግጽ።

    እቲ ቀዳማይ ናይ ምምልካት ግዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ዝጅምር ኮይኑ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ይጸንሕ። ኣብ መንጎ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያን መፋርቕ ወርሒ ግንቦትን ኣብ መመልከቲኻ ለውጢ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣሎካ፡ ወይ ድማ ቀዳማይ መመልከቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ከተቕርብ እንተዘይክኢልካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

    ናይ ትምህርታዊ መደብ ምርጫታትካ ብመስርዕ ምጽሓፍካ ኣረጋግጽ። ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ መደብካ ተቐባልነት እንተረኺብካ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መመልከቲኻ ዘለዉ ታሕተዎት ደረጃ ዘለዎም ኣማራጺታት ክስረዙ እዮም። ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድልካ ንምምሕያሽ ኣብ መመልከቲኻ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምርጫታት ከተእቱ ኣለካ።

    ናይ ወጻኢ ውጽኢት ሒዝካ ተምልክት እንተሃሊኻ፡ ውጽኢትካ ብኢመይል ናብ ናይ ላዕለዎት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ክትሰድድ ኣለካ። ብድሕሪኡ ናይ ላዕለዎት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ነጥብታትካ ኣብቲ ናይ መመልከቲ ፖርታል ክሰቕሎ እዩ። ንናይ ቀውዒ ሰሚስተር ነጥብታትካ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክትሰድድ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢታትካ ድማ ደንጉዩ ተባሂሉ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ክትሰድድ ከድልየካ እዩ። ብዝኾነ ምኽንያት፡ ቅድሚ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ነጥብታትካ ክትህበና እንተዘይክኢልካ፡ ነቲ ተመልከተሉ ዘለኻ መደብ ውሳነ ንዝህብ ሰብ ክትረኽቦ ከድልየካ እዩ። ንመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እቲ ውሳነ ዝህብ ኣካል፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከበሉ ምምሕዳር እዩ። ብርእሰን ንዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ርእሰ መምህር እዩ።

Visa cookie-information