ብቑዕነት ንላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ
ናብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ ኣገዳሲ እዩ፡
- ናይ ግዴታዊ ቤት ትምህርቲ ትሸዓተ ዓመታት ወይ ተመጣጣኒ ደረጃ ትምህርቲ ምዝዛም
- ቅድሚ ሕጂ ካብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘይተመረቕካ
- እቲ ተማሃራይ 20 ዓመት ዕድመ ካብ ዝመልኣላ ዓመት ቀዳመይቲ ፍርቂ-ዓመት ከይደንጎየ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (ቀዳማይ ዓመት) ጀሚሩ ክኸውን
ንላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካብ ግዴታዊ ቤት ትምህርቲ ብዝረኸብካዮ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ኢኻ ተመልክት። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምቕባል ብናይ ናጻ ኮታ ክትኣቱ ምእንቲ፡ ብዘይካ እንግሊዝኛን ቁጽርን፡ ብቋንቋ ሸወደን’ውን መሕለፊ ነጥቢ ክትረክብ ኣለካ (እዚ ዘይምልከቶ ዓለምለኻዊ ባካሎሬት ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ብቋንቋ ሸወደን ክህሉ ኣየድልን እዩ)። ብመሰረት እቲ መደብ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ተወሰኽቲ ዓይነታት-ትምህርቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ክሓትት’ውን ይኽእል እዩ።
ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኣብ ምቕጻል ንዘተኮሩ መደባት፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓሊፍካ ክትከውን ኣለካ፡
- እንግሊዝኛ
- ቁጽሪ
- ቋንቋ ሸወደን
- ከምኡ’ውን ካልኦት 9 ዓይነታት-ትምህርቲ (ማለት፡ ብድምር 12 ዓይነታት-ትምህርቲ)
ንመደብ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስን መደብ ቴክኖሎጅን ካብዚኦም እቶም 3 ዓይነታት-ትምህርቲ ስነ ህይወት፡ ፊዚክስን ኬሚስትሪን ክኾኑ ኣለዎም።
ንመደብ ምምሕዳር ንግዲ፡ መደብ ሰብኣዊ ስነፍልጠትን መደብ ማሕበራዊ ሳይንስን ካብቶም 9 ክትሓልፎም ዘለካ ዓይነታት-ትምህርቲ እቶም 4 ጂኦግራፊ፡ ታሪኽ፡ ማሕበራዊ ሳይንስን ሃይማኖትን እዮም።
ንመደብ ስነ ጥበብ ዝኾኑ 9 ዓይነታት-ትምህርቲ ብቑዓት እዮም።
ንናይ ሞያ መደባት፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓሊፍካ ክትከውን ኣለካ፡
- እንግሊዝኛ
- ቁጽሪ
- ቋንቋ ሸወደን
- ከምኡ’ውን ካልኦት 5 ዓይነታት-ትምህርቲ (ማለት፡ ብድምር 8 ዓይነታት-ትምህርቲ)
ኣብ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ካብቶም ግዴታዊ ዝኾኑ ዓይነታት-ትምህርቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ እንተዘይብልካ፡ ናይ ሸወደን ግዴታዊ ዝኾኑ ዓይነታት ትምህርቲ(ንዜጋታት ሸወደን) ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ዝህብ ትካል ንዝኾነ ’Sofia Distans’ (www.sofiadistans.nu) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ሃገራት ኖርዲክ (ፊንላንድ፡ ዴንማርክ፡ ኖርወይን ኣይስላንድን) ዝመጹ ኣመልከትቲ ንምእታው ብቑዓት ንኽኾኑ ውጽኢት ብቋንቋ ሽወደን ምቕራብ ኣየድልዮምን እዩ።