ነጥብን ምቕባልን
ነጥብታት
ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝርከባ ተመሳሰልቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተረኽበ ነጥቢ ብቐጥታ ክሰጋገር ወይ ምስቲ ካብ ግዴታዊ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ዝመጽእ ነጥቢ ብማዕረ ክወዳደር ኣይክእልን። ኣብ ክንድኡ፡ ውጽኢት ካብ ካልእ ሃገር ሒዞም ንዝመጽኡ ኣመልከትቲ ብመገዲ ‘ናጻ ኮታ’ ክፍተኑ እዮም። እቲ ናጻ ኮታ ብመሰረት ሓፈሻዊ ገምጋም ናይቲ ተማሃራይ ምሉእ ብቕዓት’ዩ ዝውሰን። እቲ ኣብ ምምሕዳር ወይ ኣብቲ ብርእሱ ዝመሓደር ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ውሳነ ዝህብ ሰብ ናይ መወዳእታ ውጻኢታት ክግምግም እዩ።
ናይ ቀውዒ ሰሚስተር ነጥብታትካን ናይ መወዳእታ ውጽኢታትካን ናብ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብኢ-መይል ክትሰድድ ኣለካ። ብድሕሪኡ መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ውጽኢታትካ ናብቲ ናይ መመልከቲ ፖርታል ክሰቅል እዩ። እቶም ሰነዳት ምስ ተሰቐሉ ብመንገዲ እቲ ስርዓት ንወሃቢ ውሳነ ክቐርቡ እዮም። ኩሎም ውሳነታት በቲ ንቤት ትምህርቲ ዝውስን ሰብ እዮም ዝውሰኑ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ንገምጋም ሰነዳትካ ዝምልከት ሕቶታት ናብኦም ዝቐንዐ ክኸውን ኣለዎ።
ብቋንቋ ስካንዲናቭያ ወይ ብእንግሊዝኛ ዝተዋህበ ነጥቢ ምትርጓም ኣየድልዮን እዩ። ካብ ኩለን ካልኦት ሃገራት ዝተረኽበ ነጥቢ ክትርጎም ኣለዎ።
ምእታው
መቐበሊ ቤት ጽሕፈት ብናጻ ኮታ ኣቢሉ ንምእታው ብዝምልከት ዝኾነ ውሳነ ኣይህብን እዩ። እዞም ውሳነታት ብኣመሓደርቲ ናይተን ዘመልከትካለን ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃቡ እዮም፡
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ንናይ ምምሕዳራዊ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ውሳነ ዝህብ
- እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ወሃቢ ውሳነ (መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ መምህር) ንብርእሰን ዝመሓደራ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ
ንምእታው ዝምልከት ውሳነታት፡ እቲ ተማሃራይ ካብ ቤት ትምህርቱ ዝረኸቦ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ገምጋም ምሉእ ብቕዓቱ መሰረት ብምግባር ይወሃብ።
ውጽኢት ካብ ወጻኢ ሃገር ዘምጽኡ ኣመልከትቲ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ምቕባል ንምእታው ዝምልከት ውሳነ ኣይወሃቦምን እዩ። ብመንገዲ ናጻ ኮታ ምእታው ዝምልከት ውሳነታት ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምቕባል ኣብ ወርሒ ሰነ/ሓምለ ጥራይ እዩ ዝወሃብ።